ስለዚ ብዝበለጸ ክነገልግለኩም፣ ሓንሳብ ብቴሌፎን ምሳና ምስ ተዛረብኩም፣ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ተርጓሚ ክንድውል ከለና ንሓጺር እዋን ሒዝኩም ጽንሑና፣ ብዘይ ዝኾነ ዋጋ። 

ንመሰላት መድሕንኩም ፣ከምኡ’ውን ናይ ጥዕና መድሕን ይግባይ መሰላትኩም ንክትርድኡ ዝሕግዙኹምን፣ ንኹሉ ዓይነት መድሕን ዘድሊ ሕቶታትኩም ንምምላስን ውፉያት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ክኢላታት ምጉስጓስ ተጠቀምቲ ኣለዉና፤ ንኣብነት፦

  • ዓመታዊ ክፍሊት
  • መኪና 
  • ንግዲ
  • ጥዕና 
  • ገዛ
  • ህይወት
  • Medicare
  • ካልኦት ዓይነታት መድሕን

ብተወሳኺ ኣብ ግዝኣት Washington፤ ወኪል መድሕን፣ ትካል ወይ ኩባንያ መድሕን ክሸይጥ ፍቓድ ዘለዎ ምዃኑ ንምርግጋጽ ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።